Online Bible

- Reklamy -

2 ይ ዜና 16 - መፅሓፍ ቅዱስ


ይሁዳ ምስ እስራኤል ከም ዝተዋግአት
( 1 ነገ. 15፡17-22 )

1 ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመቱ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ወፀ፤ ናብ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኣሳ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ከይወፅእን ከዓ ንራማ ዓረዳ።

2 ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፥ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ንወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ፤

3 “ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ቃል ኪዳን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻንውን ኪዳን ይሃሉ። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን እሰደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽወፅእስ፥ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” ኢሉ ለኣኸ።

4 ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ። ኣሕሉቕ ሰራዊቱውን ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ። ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልማይምን ንዅለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ወቕዕወን።

5 ባኦስ ንጉስ እስራኤል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓደገ፤ ነቲ ስራሕውን ኣቋረፆ።

6 ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ኣኪቡ ነቲ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ንራማ ኽዕርደሉ ኢሉ ኣኪብዎ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሰደ፤ ብእኡ ገይሩውን ንጌባን ንሚፅጳን ዓረደን።


ኣናኒ ናብ ንጉስ ኣሳ ኸም ዝመፀ

7 በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ።

8 ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዝነበርዎም ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተኣማመንካ ግና፥ ንኣኣቶም ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ሃበካ።

9 ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።

10 ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ።


መወዳእታ መንግስቲ ኣሳ
( 1 ነገ. 15፡23-24 )

11 እንሆ ድማ፥ ግብርታት ኣሳ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።

12 ኣሳ ኸዓ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፤ የመና ኸዓ ፀንዖ። ንሱ ግና ኽንዲ ናብ እግዚኣብሄር ዝልምን ናብ ሰብ መድሓኒት ከደ።

13 ኣሳ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደን ዓመት መንግስቱ ሞተ፤

14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ።

Následuj nás:



Reklamy