Online Bible

- Reklamy -

2 ይ ዜና 15 - መፅሓፍ ቅዱስ


ኣሳ ዝገበሮ ምምሕያሽ
( 1 ነገ. 15፡13-16 )

1 መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ መፀ።

2 ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ።

3 ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ።

4 ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።

5 በቲ ዘመን እቱይ ንዝወፅእን ንዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ዓብዪ ራዕዲ ነበረ።

6 እግዚኣብሄር ብመከራ የጨንቖም ነበረሞ፥ ሓንቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ሃገር፥ ሓንቲ ኸተማ ድማ ምስ ሓንቲ ኸተማ ትዋጋእ ነበረት።

7 ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”

8 ንጉስ ኣሳ ድማ እዝ ቓላት እዙይን እቲ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ ዝበሎን ምስ ሰምዐ፥ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ዝባውንቲ ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን፥ ንዅሉ ዘፀይፍ ነገር ኣወገደ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሐደሶ።

9 ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መፂኦም ምስኣቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም፤ እዚኣቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኣሳ ኸም ዘሎ ሪኦም፥ ካብ እስራኤል መፂኦም ናብኡ ዝተፀግዑ እዮም።

10 ንሳቶም፥ ኣሳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።

11 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኻብቲ ዘምፅእዎ ምርኮ ሸውዓተ ሚእቲ ኣብዑርን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።

12 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ከምልኽዎ ኸዓ ቓል ኪዳን ኣተዉ።

13 ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘየምልኽ ኵሉ ብሞት ክቕፃዕ መሓሉ።

14 ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ።

15 ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም።

16 ንጉስ ኣሳ ድማ ንመዓካ እኖኡ፥ ኣብቲ ኣፀድ ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ዝነበራ ናይ ንግስቲ ኽብረት ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖት ቈሪፁን ጨፍሊቑን ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ።

17 ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣየወገዶን፤ ልቢ ኣሳ ግና ብምሉእ ዘመኑ ፍፁም ነበረ።

18 ነቲ ኣቦኡን ንሱን ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ብሩርን ወርቅን ዝተፈላለዩ ኣቑሑን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።

19 ኣሳ ኻብ ዝነግስ ክሳዕ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኣብቲ ሃገር ውግእ ኣይነበረን።

Následuj nás:



Reklamy