Online Bible

- Reklamy -

2 ይ ዜና 14 - መፅሓፍ ቅዱስ


ኣሳ ንጉስ ይሁዳ
( 1 ነገ. 15፡11-12 )

1 ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ኸዓ እታ ሃገር ንዓሰርተ ዓመት ሰላም ረኸበት።

2 ኣሳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ዝኾነ ገበረ።

3 ነቲ ናይ ባዕዳን ኣማልክቲ መሰውኢታትን ነቲ ኣብ ኰረብታታት ዝነበረ መምለኺ ጣዖትን ኣፍረሶ፤ ነቲ ዘምልኹሉ ሓውልቲውን ሰባበሮ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን ቈረፆ።

4 ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ክደልዩን፥ ሕጉን ትእዛዛቱንውን ክሕልዉን ኣዘዞም።

5 ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት።

6 እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፥ በተን ዓመታት እቲኣተን ውግእ ኣይነበረን፤ ነተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዕርዲ ሰርሐለን።

7 ኣሳ ኸዓ ንህዝቢ ይሁዳ “ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝፈፀምና፥ እዛ ሃገር ሕዚ እውን ናትና እያ። እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ። ስለዙይ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ቅፅርን ግምብታትን ዝዕፆን ዝሽጐርን በሪ ሰሪሕና ንዓርደን” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰርሑ፤ ፈፀሙውን።

8 ኣሳ ኸዓ ሰብ ኲናትን ዋልታን ካብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፤ ካብ ብንያምውን ዋልታ ዝሕዙን ፍላፃ ዝውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሰባት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵላቶም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።

9 እቲ ኢትዮጵያዊ ዝሪ ድማ፥ ሓደ ሚልዮን ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኽዋግኦም ናብ መሪሳ ወፀ።

10 ኣሳውን ክጋጠሞ ወፀ እሞ፥ ኣብቲ ለሰ ፅፋታ ናይ ማሬሻ ንውግእ ተሰለፉ።

11 ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።

12 እግዚኣብሄር ከዓ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ወቕዖም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ሃደሙ።

13 ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ኽሳዕ ጌራራ ኣሳጐጕዎም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ብእግዚኣብሄርን ብሰራዊቱን ተደምሰሱ እሞ ኻብኣቶም ሓደ እንተይተረፈ ሞቱ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ።

14 እግዚኣብሄር ነተን ኣብ ዙርያ ጌራራ ዘለዋ ኸተማታት ራዕዲ ስለ ዝሰደደለን ድማ ንዅለን ሰዓርወን። ኣብኣተን ከዓ ብዙሕ ምርኮ ስለ ዝነበረ ንዅለን ዘመትወን።

15 ደምበ ኸፍቲ እናፍረሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣባጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።

Následuj nás:



Reklamy