2 ይ ዜና 12 - መፅሓፍ ቅዱስግብፂ ንይሁዳ ኸም ዝወረረት ( 1 ነገ. 14፡25-28 ) 1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ፀንዐትን፥ ንሱውን ምስ በርትዐን፥ ንሱን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ሕጊ እግዚኣብሄር ሓደጉ። 2 ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ ድማ ንጉስ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ደየበ። 3 ካብ ግብፂ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን ኣኽተተ። ቍፅሪ ዘይብሎም ህዝቢ ድማ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፥ ምስኡ ነበሩ። 4 ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ። 5 ነቢይ ሸማያ ኸዓ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺሻቅ ሃዲሞም ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከቡ ኣሕሉቕ ይሁዳን መፂኡ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩም ሓደግኩምኒ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓደግኩኹም’ ” በሎም። 6 ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤልን እቲ ንጉስን “እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ” ኢሎም ሰብነቶም ኣዋረዱ። 7 እግዚኣብሄርውን ሰብነቶም ከም ዘዋረዱ ምስ ረአየ፥ ንሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ “ርእሶም ኣዋሪዶም እዮም እሞ ኣየጥፍኦምን እየ፤ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ እውን ከድሕኖም እየ። ናህሪ ቝጥዐይ ከዓ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኣይፈስስን እዩ። 8 ግና ነኣይ ምግዛእን ንነገስታት ምድሪ ምግዛእን ምእንቲ ኽፈልጡ ክግዝኡሉ እዮም።” 9 ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ፤ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ። 10 ንጉስ ሮብዓም ግና ኽንድኡ ዋላቱ ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸዓ ኣንበሮም። 11 እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ እቶም ሓለውቲ ነቲ ዋላቱ ይፆርዎ ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ይመልስዎ ነበሩ። 12 ንጉስ ሮብዓም ርእሱ ስለ ዘዋረደ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ፈፂሙ እንተየጥፍኦ ኻብኡ ተመለሰ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ፅቡቕ ነገር ኮነ። 13 ሮብዓም ክነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ብርቱዕ ንጉስ ኮነ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኸንብረላ፥ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትበሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። 14 ንሱ ግና ንእግዚኣብሄር ኽደሊ፥ ልቡ ኣየዳለወን ነበረሞ ኽፉእ ገበረ። 15 ኵሉ እቲ ሮብዓም ዝገበሮ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ ታሪኽ ናይ ነቢይ ሸማያን፥ ኣብቲ በዓል ራእይ ኣዶን፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ድማ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 16 ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣብያ ነገሰ። |