8 “መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ፤ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ መንገዱውን ሓሉ፤ ንምድሪ ምእንቲ ኽትወርስ ልዕል ልዕል ከብለካ እዩ፤ ሓጢኣተኛታትውን ክጠፍኡ እንተለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
ንቝጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ።
“ሕነይ ክፈዲ” ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ።
ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤ ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤ ረስና ኸም ሓዊ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥ ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።
ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ሓሳብ እዙይ እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድውን እዚኣ እያ።”
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ፥ መዓቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊት እዩ፤ ፈፂሙ ኸዓ ኸጥፍኦም እዩ፤ ንማሕረዲውን ከወፍዮም እዩ።
ብቝጥዓይ ንኣህዛብ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ፈፂመ ኣስከርክዎም፤ ደሞም ከዓ ኣብ ምድሪ ኣፍሰስኩ።”
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።
ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።
እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።”
ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።
ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ፥ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።
እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም።