3 ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኣሕሉቓ ከም ዝጓዝሙ ኣናብስ እዮም፤ ፈራዶኣውን፥ ንንግሆ ሓደ እኳ ኸም ዘየትርፉ ጥሙያት ተዃሉ ምሸት እዮም።
ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤ ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥ ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥
በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።
እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።
ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።”
“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።