16 በታ መዓልቲ እቲኣ ንኢየሩሳሌም፥ “ኦ ኸተማ ፅዮን፥ ኣይትፍርሒ፤ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።
እንሆ፥ ንስኻ ንብዙሓት ሰባት ትምህር ነበርካ፤ ንዝደኸማ ኣእዳው ከዓ ተበርትዕ ነበርካ።
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ዝፈጠረካ፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐካ፥ ዝረድአካ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፥ ዝሓረኩኻውን ይሹሩን ኣይትፍራሕ።”
“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤ ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤ ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤ ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥ ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ።
ኣቲ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩሞ፥ ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።
ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።”
ከምኡ ድማ ሕዚ ንኣኻትኩም ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን፥ ሰናይ ክገብረልኩም ሓሲበ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥
ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።
ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።
ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ።