12 ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም።
“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ።
እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታትውን የውፅኦም፤ ብእኡ ተኣሚኖም እዮም እሞ፥ ከድሕኖም እዩ።
በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ።
ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።
እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።
ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ።
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።
ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን።
ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።
ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም።” ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
ኢሳይያስውን፥ “ካብ ሱር እሴይ ክትስእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።