9 ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”
ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።
ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦ ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ! ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤ ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።”
ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
ንሳ ናይ ኵሎም ኣህዛብ እንስሳ ዝዔማላ ስፍራ ኽትከውን እያ። ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ኣብቲ ዝፈረሰ ጕልላታ ኽሓድሩ እዮም፤ ድምፆም ከዓ ኻብቲ መሳዅታ ኽስማዕ እዩ። ኳዃት ኣብ ልዳውታ ኾይኖም ከድምፁ እዮም፤ እቲ ብፅሕዲ ሊባኖስ ዝተሰርሐ ስርሓት ድማ ኽቕላዕ እዩ።
እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል።
ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥
“ኣነ ህያው እየ፤ ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ።
“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።