11 እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
ካብዚኣቶምውን እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ህዝብታት በብቛንቋኣቶም፥ በብዓሌታቶም፥ በብህዝቦም ተኸፋፊሎም በብሃገሮም ሰፈሩ።
ኦ ጐይታ፥ ቃል ኣፍካ ሰሚዖም እዮምሞ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸመስግኑኻ እዮም።
ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።
ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም።
ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ።
ድሕሪዙይ ናብተን ደሴታት ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ንብዙሓት ከዓ ኽሕዘን እዩ። ሓደ ሓለቓ ግና ነቲ ፀርፉ ኸወግዶ እዩ፤ ናብ ባዕሉውን ክመልሰሉ እዩ።
ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።
“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”
እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥ ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ? ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤ መፀግዒውን ይኹኑኹም።
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።