10 ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ።
ሓደ ሰብ እኳ ኽገፍዖም ኣይፈቐደን፤ ምእንታኣቶም ድማ ንነገስታት ገሰፀ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?
ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።
“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።
ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤ ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤ ዘፀናንዓውን የለን፤ ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
በታ ኣንፃር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፥ በታ ጓኖት ንጭፍራ ማሪኾም ዝወሰዱላ መዓልቲ፥ ኣህዛብ ንጭፍራኡ ብዝማረኹላ፥ ኣጋይሽውን ብበሪ ዝኣተውሉ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዕፃ ብዝተዋደቑሉ መዓልቲ፥ ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ።
ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።