9 በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
ከምቲ እንዳ ዒፍ በዕዋፍ ዝመልእ፥ ከምኡ ድማ ቤቶም ብጥበራ ዝተመልአ እዩ። ስለዙይ ዓበይትን ሃብታማትን ኮኑ፤
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።
ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።
እቲ ሰብኣያ ጊሓት ተሲኡ ማዕፆ እታ ቤት ከፈተ፤ መንገዱ ክኸይድውን ወፀ፤ እንሆ፥ እታ ናይ ወሰን ሰበይቱ፥ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፥ ኣእዳዋ ኸዓ ኣብቲ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት።
ስለዙይ ነታ ኣብ ኣዛጦን ዘላ ድርኵዂት ዳጎን፥ ካህናት ዳጎን ኮኑ ወይ ኵሎም ናብ ቤት ዳጎን ዝኣትዉ፥ ኣብ ኣዛጦን ንዘሎ መድረኽ ዳጎን ክሳዕ ሎሚ ኣይረግፁን እዮም።