6 ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓልየ እየሞ፥ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘየምልኽ ኵሉ ብሞት ክቕፃዕ መሓሉ።
ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤ ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።
ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።
ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።
ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።
“ያእቆብ ንስኻ ግና ኣይፀዋዕኻንን፤ ኣታ እስራኤል ብዛዕባይ ሸለል በልካ።
ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን።
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።
ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
እዝ ዅሉ ዝወረደኪ ብቕኑዕ መንገዲ ንዝመርሐኪ፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን?
ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”
“ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።
“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”
ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።
ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።
“እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥