Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሶፎንያስ 1:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ሶፎንያስ 1:5
30 Referencias Cruzadas  

እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ።


ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ሲዶናውያን ንኣስታሮትን፥ ንርዅሰት ኣሞናውያን ንሚልኮምን ተኸተለ።


ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።


ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርሑ ነበሩ፤ ነቲ ዀረብታ መስገዲ ኻብ ማእኸሎም ከዓ ዝኾነ ሰብ ካህን ይገብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ኰረብታ መስገዲ መስዋእቲ ይስውኡ ነበሩ።


ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ ነበሩ፤ ግና፥ ከምቲ ቐደም ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓት ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።


ስለዙይ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይፈርሕዎ ነበሩ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታቶምውን የምልኹ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።


እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።


ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?


“እቲ ሓደ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኽብል እዩ፤ እቲ ሓደ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፤ እቲ ሓደ ድማ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኢሉ፥ ኣብ ኢዱ ኽፅሕፍ እዩ፤ ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።”


ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”


ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።


ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም።


ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።


እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም።


ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።”


“ህያው እግዚኣብሄር” ኢሎም እኳ እንተ መሓሉ፥ ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ።


“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።


መፂእኹምውን ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ኣብዝ ቤት እዙይ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይምኩም፥ እዝ ፅዩፍ ዝኾነ ነገር ኣይገበርናን በልኩም።


ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም።


ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።


ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።


“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።


ንባዕልትኹም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን መሎኽን፥ ምስሊ ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም ዘልዓልኩም።


“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።


ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።


“ኣነ ህያው እየ፤ ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ።


ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ።


ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።


ምስዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶም ኣይትተሓወሱ፤ ስም ኣማልኽቶም ኣይትፀውዑ፤ ብኣማልኽቶም ኣይትምሓሉ፤ ንኣማልኽቶም ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎምውን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos