4 “ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።
እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምውን ክዝርግሖ እየ። ከምቲ ንፃሕሊ ወልዊልካ ብኣፉ እትደፍኦ፥ ከምኡ ድማ ኣነ ንኢየሩሳሌም ወልዊለይ ክግልብጣ እየ።
እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።
ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ።
የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕኻ፤ ምድሪ እውን ወሓጠቶም።
ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።”
ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
ነቲ ፅሩብ ምስልታትካን ሓወልቲታትካን ካብ ማእኸልካ ኸጥፍኣ እየ። ድሕሪዙይውን ነቲ ስራሕ ኣእዳውካ ኣይትሰግድን ኢኻ።
እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ።