3 “ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።
እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥
እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ።
ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዩ፥ ወርቆም ከዓ ኸም ርኹስ ነገር ክኽውን እዩ፤ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ናይ ሓጢኣቶም መዐንቀፊ እምኒ ስለ ዝኾነ፥ ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንጥሜቶም ኣየፅግቦን፤ ንኸብዶምውን ኣይመልአሎምን እዩ።
ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።
ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።
ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።