2 “ኣነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከጥፍኦ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።
ሰራዊት ሶርያ ውሑዳት ጭፍራ ነበሩ፤ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ስለ ዝነበሩ ግና እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሰራዊት ይሁዳ ዓወት ሃቦም። ብኸምዙይ ከዓ ኢዮኣስ ተቐፅዐ።
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ።
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።
እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።