18 ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።
ህዝቢ ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።
እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥ ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ምስቶም ገዛውቶም ብብዙሕ ወርቂ ዝደለቡን፥ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንትን፥ መዕረፍኩ ነይረ።
ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።
ንሃብታም ሰብ፥ እቲ ሃብቱ ፅኑዕ ኸተማኡ እዩ፤ ብሓሳቡ ኸዓ ኸም ልዕል ዝበለ ቕፅሪ እዩ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።
እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ ናይ ቍጥዓን ናይ ቅንኣትን ደም ከምፅአልኪ እየ።
ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመዓት ክወቕዑኺ እዮም፤ ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርፁ እዮም፤ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፥ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ።
ዓመፃ፥ በትሪ ሓጢኣት ኮይና ተልዓለት፤ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኣቶምን ዝተርፍ ሓደ እኳ የለን።
ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዩ፥ ወርቆም ከዓ ኸም ርኹስ ነገር ክኽውን እዩ፤ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ናይ ሓጢኣቶም መዐንቀፊ እምኒ ስለ ዝኾነ፥ ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንጥሜቶም ኣየፅግቦን፤ ንኸብዶምውን ኣይመልአሎምን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መዓት፥ በይኑ ዝኾነ መዓት እንሆ ይመፅእ ኣሎ።
ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።
እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ።
“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።