11 ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።
ንብሩር ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፥ ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥
ንሱ ይድልብ፤ ግና ፃድቕ እዩ ዝኽደኖ፤ ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ።
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።
ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ።
እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።
መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።
ኣቱም ሰካራማት፥ ንቕሑን ብኸዩን፤ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ከሊታውያን፥ ወይለኦም! ኦ ከነዓን ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ፤ ዝነብረካ ሰብ ክሳዕ ዘይርከብ ድማ ኸጥፍአካ እየ።
ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዘሎ ድስትታት፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እቶም መስዋእቲ ኽስውኡ ዝመፁ ዅላቶም፥ ነቲ ድስትታት ብምውሳድ ከዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኸብስልዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብታ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከነዓናዊ ኸቶ ኣይህሉን እዩ።
ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።