10 “በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ።
ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።
ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።
ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ።
ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ እምባ ሞሪያ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት ዝተርአየላ፥ ዳዊት ከዓ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፥ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሕዝቅያስን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦት ፀላእቶምን ኣድሓኖም፤ ብዅሉ ወገንውን ሓለዎም።
ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ።
ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ።
ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።
ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።
ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።
ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥ ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤ ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ።
መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያሞ፤ እግዚኣብሄርውን መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ፥ ነቶም ዕዱማቱ ኸዓ ቀዲስዎም እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ስቕ በሉ።