Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሶፎንያስ 1:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦

Ver Capítulo Copiar




ሶፎንያስ 1:1
12 Referencias Cruzadas  

ምናሴ ሞተ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ፥ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።


ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮስያስ ነገሰ።


ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቤቱውን ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።


ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።


እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።


ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።


ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።


እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፍፁም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ኣፀቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ፥ ንትምህርቲ፥ ንተግሳፅ፥ ንምቕናዕ፥ ብመንገዲ ፅድቂ ንምምዓድ፥ ይጠቅም እዩ።


ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos