7 ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ።
ንኬጢን፥ ንኢያቡሳውያንን፥ ንኣሞራውያንን፥
ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ።
ኦ ጐይታ ተስእ፤ ኦ ኣምላኸይ ኣድሕነኒ፥ ንስኻ ንምንጋጋ ዅሎም ፀላእተይ ወቒዕኻ ኢኻሞ፥ ነስናን ክፉኣት ሰባትውን ሴርካ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ነስናኖም ኣብ ውሽጢ ኣፎም ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ።
ኣብ መቓብራት ይቕመጡ፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ይሓድሩ፤ ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፤ ቍራዓቶም ብዝረኸሰ መረቕ ዝመልኡ እዮም።
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ድሕሪዙይ ግና ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።
ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”
ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።