6 “ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።
እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ።
ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
“ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ።
ጋዛ ኽትብዝበዝ እያ፤ ኣስቃሎንውን ክትባድም እያ። ንኣዛጦን ከዓ ብቐትሪ ናብ ወፃኢ ኽሰጕዋ እዮም፤ ኣስቀሎና ድማ ኽትንቀል እያ።
ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን።
ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።