5 ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን።
በታ ንጉስ ኣካዝ ዝሞተላ ዓመት እዝ ፆር እዙይ ኮነ።
ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ግዝኣት ፍልስጥኤምን፥ ኣነ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? ኽትፈድዩኒ ዲኹም? እንተ እትፈድዩኒ እኳ፥ ቀልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ክህብዎም፥ ንዅሎም ምሩኻት ማሪኾም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጋዛ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።”
“ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ።
“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ” በሎ።
እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ።