12 ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።
ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ።
ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።
ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥ ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥ እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
ንእሱራት ውፁ፤ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝተቐመጡ ድማ፥ ተገለፁ ንኽትብሎም፥ ቃል ኪዳን ገይረ፥ ንህዝቢ ሂበካ ኣለኹ። በብመንገዱ ኽዋፈሩ እዮም፤ ኣብ ዝባደማ፥ ሳዕሪ ኣብ ዘይብለን ኰረብታታትውን፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም።
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።
ክንዲ ነውርኹም፥ ካዕበት ክትቅበሉ፥ ክንዲ ፀርፍኹም፥ ብዕድልኩም ክትሕጐሱ ኢኹም። ስለዙይ ኣብ ሃገሮም ክልተ ዕፅፊ ኽገዝኡ፥ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም።
ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
ንዝመፅእ ጊዜ ተስፋ ኣለኪ፤ ደቅኺ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ።
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።
“እግዚኣብሄር ንፅድቅና ኣውፂኡልና እዩ፤ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ፅዮን ንንገር።”
ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ።
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።
እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።