Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 8:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 8:8
30 Referencias Cruzadas  

ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።


ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።


ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።”


ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።


ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም።


ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።


ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።


ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ዘንፅሀላ መዓልቲ፥ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፥ እቲ ዑናታት ከዓ ኸም ዝስራሕ ክገብር እየ።


ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።


ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።


ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ይሁዳ ግና ንዘለኣለም፥ ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ።


ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ።


ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤ ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤ ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤ ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።


“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።


ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”


በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።


ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።


እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos