6 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
እዙይ ኻብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?
ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ “እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።
እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ።
ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።”
ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።