3 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ኣብታ ቕድስቲ እምባ፥ ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ።
ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።
እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።
ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ሽዑ ፍትሒ ኣብ ምድረ በዳ ኽሰፍር፥ ፅድቂውን ኣብ ልሙዕ መሬት ክነብር እዩ።
ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”
በቲ ዘመን እቱይ ይሁዳ ኽድሕን እዩ፤ ኢየሩሳሌምውን ብህድኣት ክትነብር እያ፤ መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን።
ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።
ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ።
ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤ ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።
ኣነ ድማ ነቲ ዘየፅረኽዎ ደሞም ከፅርዮ እየ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።
ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።
እቲ ኽትገብርዎ ዝግብአኩም ነገር እዙይ እዩ፦ ምስ ብፆትኩም ሓቂ ተዘራርቡ፤ ኣብ ባይቶኹምውን ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።