21 እቶም ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ንምልማን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይ፥ ንዑ ቀልጢፍና ንኺድ፤ ኣነ ባዕለይውን ክኸይድ እየ እናበሉ፥ ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ እዮም።
ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ልቦም ዝሃቡ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ምእንቲ ኽስውኡሉ፥ ንሌዋውያን ተኸቲሎም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ።
ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ፥ ኵልኻትኩም ፍጡራቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
ሰብ ቤቴልውን ንሳራሳርን ንሬጌሜሌክን ንሰባቶምውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክልምኑ፥
ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም።
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ።