2 “ብዛዕባ ፅዮን ዓብዪ ቅንኣት ቀኒአላ ኣለኹ፤ ምእንታኣውን ብዓብዪ ቍጥዓ ቀኒአ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኮይኑ ንሳኦል ክዋጋእ ምስ ወፀ፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ምናሴ ኸዲዖም ናብ ዳዊት መፁ። ግና እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን “ኣራእስና ቘሪፁ ንጐይታኡ ሳኦል ክሕግዝ እዩ” ኢሎም መኺሮም ንፂቅላግ ስለ ዝሰደድዎ ምስ ሳኦል ኣይተዋግአን።
ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።
ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
እግዚኣብሄር ስለ ምድሩ ቐንአ፤ ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ።
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦