Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 8:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 8:12
39 Referencias Cruzadas  

ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ።


እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ።


ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።


እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።


እግዚኣብሄር ምሕረቱ ይህብ፤ ምድሪ እውን ፍሪኣ ትህብ።


ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።


ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።


ክንዲ ነውርኹም፥ ካዕበት ክትቅበሉ፥ ክንዲ ፀርፍኹም፥ ብዕድልኩም ክትሕጐሱ ኢኹም። ስለዙይ ኣብ ሃገሮም ክልተ ዕፅፊ ኽገዝኡ፥ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም።


ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።


ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን።


ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ።


ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።


ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።


ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።


እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤ እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤ ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።


ኣቱም እንስሳ ምድሪ፥ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፥ እቲ ኦምውን ፈርዩ እዩሞ፥ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከዓ፥ ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።


ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥


እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”


ብሰንኪ እዙይ እውን ሰማይ ኣውሊ ኸልከለ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ኸልአት።


ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ።


እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።


እምበኣርከስ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ።


ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤ ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤ ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።


ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዙይ በለ፦ “ምድሩ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኸት ትኹን፤ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፥ በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥


እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤ እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥ እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።


ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos