11 ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ።
ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
“እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ።
እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”