9 “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።
ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።
ካብ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ዝተኣልመ ኽዳን ሂበ እንተ ዘየሚቘዮ፥ ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ”
እቲ ንብፃዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፥ ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ።
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።
እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ደጊም ይእኸልኩም፤ ዓመፃን ብዝበዛን ሕደጉ፤ ቅንዕናን ፅድቅን ግበሩ፤ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ካብ ወገን ከነዓን እዩ፤ ኣብ ኢዱ ድማ ሚዛን ሓሰት ኣለዎ፤ ጥበራውን ይፈቱ።
ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ።
ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ።
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
“ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ፥ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ግና፥ ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይሓደግኩምስ፥ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ።
ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”
“ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም።
“ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ።