8 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦
ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።
ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ።
ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።