7 ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
“ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።”
ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም።
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ።
ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩምስ፥ ንርእስኹምዶ ኣይኮነን ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩም?’ ”
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦
ደቡብ ይሁዳን ጐልጐል ለሰ ኢያሪኮን፥ ከተማ ተምርን ክሳዕ ፆኣር ኣርኣዮ።