3 ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።
እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።
ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።
ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።
እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥ ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤ ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥ ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ።
ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።
ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ፥ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙን ክሓዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ ኽፆሙ እዮም።
ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ።
ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።