10 ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’
ንሳቶም ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ንውግእ ይእከቡ።
ኣብ ልዕሌኻ ኽፍኣት ዘርጊሖም እዮምሞ፤ ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ።
ኣብ ምድቃሱ ጠዋይ ነገር ሓሰበ፤ ቅንዕቲ ብዘይኮነት መንገዲ ቖመ፤ ንኽፍኣትውን ኣይንዕቓን።
ንዝተሸገሩ ህዝብኻ ብሓቂ ትፈርደሎም፤ ንደቂ ምስኪናትካ ድኻታትውን ተድሕኖም፤ ነቲ ዕቡይ ድማ ኽተዋርዶ ኢኻ።
“ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም፤ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝኾነት ድማ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ።
ብፃይካ ኣሚኑ ምሳኻ ኽነብር እንተሎ፥ ኣይትተናዀሎ።
“ክፍኣት ዝፍሕስ ልቢ፥ ክፉእ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፥
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”
ረጐዱ፤ ሰብሑ። ንኽፍኣቶም ወሰን የብሉን፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።
ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥
ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፀ፤ ከተረ፤ ንሽጉርን ንድኻን ገፍዖ፤ ንመፃእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቖ።
ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።