1 ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።
ነህምያ ወዲ ሓካልያ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ።
ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ።
ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።
መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦