7 እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!
ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።
እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፦ “እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኽመላለሱ እግዚኣብሄር ዝለኣኾም እዮም” ኢሉ መለሰ።
ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
ንሱ ድማ “እዚኣ ኽፍኣት እያ” ኢሉ ናብ መስፈሪ ኢፍ መሊሱ ደርበያ። ነቲ መኽደን እቲ ዓረር፥ ድማ ናብ ኣፍ እቲ መስፈሪ ኢፍ ደርበዮ።