6 ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥
ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤
“ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ።
ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን?
በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።
እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።