5 እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፥ እዙይ ናይ ቅንኣት ጣዖት ነበረ።
እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።
ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።
ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።
እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ።
ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።