Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 5:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 5:4
19 Referencias Cruzadas  

ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ዘይሰቡ ይነብሩ፤ ኣብ መንበሪኡውን ዲን ይንስነስ።


ንመዝገቡ ፀልማት ተዳልዩሉ ኣሎ፤ ብዘይ መናፍሕ ዝነድድ ሓዊ ክውሕጦ፥ ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ።


ንሱ ንቤቱ ይድግፎ፤ ግና ኣይቖመሉን፤ ይሕዞውን፥ ግና ኣይፀንዐሉን።


እቶም ዝፀልኡኻ ሕፍረት ክኽደኑ እዮም፤ ድንኳን እቶም ክፉኣት ከዓ ኽጠፍእ እዩ።”


መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ሓጥእ እዩ፤ ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ።


ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።


ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።


መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።


ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”


“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ንሱ ኸዓ “እዙይ እቲ ኣብ ኵላ ገፅ ምድሪ ዝወፅእ መርገም እዩ፦ ኵሉ ዝሰርቕ፥ ብመጠን እቲ ኣብ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ኽድምሰስ እዩ፤ ብሓሰት ዝምሕል ከዓ፥ ከምቲ ኣብቲ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ክድምሰስ እዩ።


ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር።


“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ርጉማት ክትኮኑ፥ ኣብ ገራሁውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።


ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን።


ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos