11 ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።
መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።
ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።
ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “ነዝ መስፈሪ ኢፍ፥ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ?” በልክዎ።
ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።
እግዚኣብሄር ዘስካሕክሕ መቕሰፍቲ ናባኻትኩምን ናብ ዘርእኹምን፥ ብርቱዕ እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ መቕሰፍቲ፥ ሕሱም እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሕማም ክሰደልኩም እዩ።