9 “ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።
ሽዑ ሰሳብሳር መፂኡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር መስረቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ድማ ኣይተፈፀመን።’
ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤ ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤ ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤ ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።
ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።
“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።
ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።