7 ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።
እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።
እምባታት ከም ሽደናት፥ ኰረብታታት ድማ ከም ብተያት ዘለሉ።
ኣቱም እምባታት እንታይ ኴንኩም ኢኹም ከም ሽደናት ዝተሰራሰርኩም? ኰረብታታትከ እንታይ ኴንኩም ኢኹም ከም ብተያት ዝዘለልኩም?
እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።
እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤ ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤ ንዀረብታታት ከዓ፥ ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ መጥፍኢ እምባ ናባኻ እየ፤ ኢደይ ዘርጊሐ ኻብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ፥ ዝተቓፀለ እምባውን ክገብረካ እየ።
ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤ ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤ እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤ እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤ መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።
ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ።
ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?
‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’ ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።
ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ?
ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤
ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፥ ግና ርእሲ መኣዝን ዝኾነ እምኒ እዩ።
እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።
እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”
ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን።