6 መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ።
ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።
እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።
እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።
ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ።
ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን።
ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
እዙይ ዝኸውን መንፈሱ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ ዘፍስሰልና፥ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ መሬት፥ እቲ ልሙዕ መሬት ድማ ኸም ዱር ክሳዕ ዝቝፀር እዩ።
ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፥ ኣፈይ ኣዚዙ እዩሞ፥ መንፈሱውን ኣኪብዎም እዩሞ፥ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ መፃምዲውን ኣይስእንን እዩ።
ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
ክትጥምት እንተለኻ፥ እንሆ፥ ኢድ እንተይነኽኦ እምኒ ተፈንቂሉ ወረደ፤ ነቲ ሓፂንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር ድማ፥ እቲ ምስሊ ወቒዑ ሓምሸሾ።
ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።
ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤
ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።
“ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ።
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ።