1 እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።
ድሕሪዙይ ተበራበርኩ፤ ጠመትኩውን፤ ድቃሰይውን ጥዑም ኮነለይ።”
ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።
ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።
ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።
እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ።
ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።
ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ።