7 “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ።
እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ።
ከም ኣቦኻ ዳዊት ሕግጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓሊኻ፥ ብመንገደይ ድማ እንተ ኼድካ፥ ዕድሜኻ ኽነውሕ እዩ” በሎ።
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
ግና እቶም ዝኣከብዎ ኽበልዕዎ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸመስግንዎ እዮም። እቶም ዝኣከብዎውን፥ ኣብ ዓፀድ መቕደሰይ ኮይኖም ክሰትይዎ እዮም።”
ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”
እዚኣ ነቶም፥ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሕቱ እንተለዉ፥ ከምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሓቱ ዝተቐደሱ፥ ንኣገልግሎተይውን እተሓረዩ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ትኹን።
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም።
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ኣሰምዐሉ፦
ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።
እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’