Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 2:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 2:8
50 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ ብሕልሚ፥ “ኣነውን ነዙይ ብንፁህ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ ፈሊጠ፥ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዙይውን ክትቀርባ ኣይፈቐድኩልካን።


እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ።


ካብቶም ዘጨንቑኒ ኽፉኣት ሰባት፥ ካብቶም ንነፍሰይ ዝኸቡዋ ፀላእተይ፥ ከም መርዓት ዓይኒ ሓልወኒ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።


ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፤ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።


“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።


ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኤዶም ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፥ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፥


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ በቲ ናይ ጥንቲ ፅልኦም ከጥፍኡ ኢሎምስ፥ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፥


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥


ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።


“ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥


ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።


ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ።


ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፦ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣይትፈልጦን ዲኻ?


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ንዅሎም ምሩኻት ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮምሞ፥ ንናይ ኣሕዋት ቃል ኪዳንውን ኣይሓሰቡንሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጢሮስ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።


ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።


ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ።


ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።


ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ።


ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።


“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።


“እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢደይ ከልዕል እየ፤ ግዙኣቶም ዝነበሩ ኸዓ ኽዘምትዎም እዮም፤ ሽዑ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።”


ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።”


“እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።


ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም።


እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ።


ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ከምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።


ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።


“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።


እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ።


እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos