12 እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።
ሕዚ ግና፥ ስመይ ኣብኣ ኽፅዋዕ ንኢየሩሳሌም መሪፀያ ኣለኹ፤ ንዳዊት ድማ ንህዝበይ እስራኤል ክመርሕ ሓርየዮ ኣለኹ’ ኢሉ እዩሞ።
ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ።
እግዚኣብሄር ንፅዮን ሓርዩዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ኽትከውን ድማ ፈትዩዋ እዩሞ፥ ከምዙይ ኢሉ፦
እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፤ መሪፀያ እየሞ፥ ኣብኣ ኽሓድር እየ።
እግዚኣብሄር፥ ንያእቆብ ንባዕሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ንርስቱ ሓርይዎ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብፁእ እዩ፤ እቲ ርስቱ ክኸውን ዝሓረዮ ህዝቢ እውን ብሩኽ እዩ።
ኦ ኣምላኽ፥ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እውን ፍረድ፤ ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።
ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።
ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥ ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤ ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥
እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤
ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ሰይጣን “ኣታ ሰይጣን፥ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እዝ ሰብ እዙይ ካብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግዶ ኣይኮነን?” በሎ።
“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።
ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤ ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”